መከላኸሊ ጥንሲ
ንምንታይ ኢዩ ኣድልዩ?
መከላኸሊ ጥንሲ ንዘይተደልየ ጥንሲ ንምክልኻል ይጠቅም። መከላኸሊ ጥንሲ ንመብዛሕትኡ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝነብሩ ሰባት ናጻ ኢዩ። ብዙሕ ዓይነታት ኣማራጺታት ስለ ዘለዎ ንዓኻ ዝሰማማዓካ ምምራጽ ይከኣል።
ኣማራጺታት መከላኸሊ ጥንሲ
ብመጀመርታ ነቶም ናይ ነዊሕ ግዜ ዝወሃቡን ክትቋርጾም ትኽእል ኣገባባት ክንጠቅስ።
ኢምፕላንት
ሆርሞናል ኢንትራውተሪን ሲስተም (ኣይዩኤስ)- ሆርሞናል ኮይል
ኮፐር ኢንትራውተሪን ዲቫይስ (ኣይዩኤስ)- ናን ሆርሞናል ኮይል
ዝውጋእ መርፍእ (ኢንጀክሽን)
እዘን ነዚ ዝጥቀማ ዝለዓለ ናይ ዘይተመደበ ጥንሲ ምክልኻል ዓቕሚ፣ ካብተን ካልእ ዓይነት ኣገባባት ዝጥቐማ ንላዕሊ ከምዘለወን ዝፍለጥ ኢዩ።
እንተዳኣ ቆልዑት ናይ ምውሳኽ መደብ ዘይብልካ ኮይኑ ናይ ምምካን ከም ኣማራጺ ኣለካ።
ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ምክልኻል ጥንሲ ኣለዉ፣ እዚኦም ውን ኣድማዕቲ መከላኸሊ ጥንሲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም እንተድኣ ብግቡእ ተጠቂምካሎም።
ፕሮገስቶጀን-ጥራይ (1 ሆርሞን) ከኒና
ኮምባይንድ ሆርሞናል መከለኸሊ ጥንሲ (2 ሆርሞን)
ከኒና
ዝልጠፍ (ፓች)
ሪንግ (ቀለቤት)
ኮንዶም- እዚ ዋላ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት እውን ክከላኸል ይኽእል። ከም መከላኸሊ ጥንሲ ግን 18 ካብ 100 ከይሰርሕ ይኽእል።
ዕሙቅ ዝበለ ሓበሬታ ብዛዕባ ነፍስወከፍ ኣገባብ
ኢምፕላንት
እታ ኢምፕላንት ንእሽተይ ሓጺን ቱቦ ትመስል፣ ክንዲ ፍረ ክርቢት ትኸውን ኣብ ትሕቲ ቆርበት ናይ ላዕለዋይ ኢድ ትኣቱ ኢያ።
እታ ኢንፕላንት ፕሮጀስቶጂን ዝበሃል ሆርሞን ይሰድድ፣ እዚ ነቲ ማሕደር እንቋቁሖ፣ እንቋቁሖ ከይሰድድን ነቲ ኣብቲ ቱቦታት (ኣብ ክሳድ ማህጸን) መተሓላለፊ ዘሎ ፈሳሲ ኣሕፊሱ እንቋቁሖ ናብ ማህጸን ከይወርድ ይሕግዝ። እዚ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብቲ እንቋቁሖ ከይበጽሕ ይከላኸል።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታት
ዘይስሩዕ ጽግያት (ወይ ድማ ጽግያት ዘይምህላው)
ሆርሞናል ኢንትራውተራይን ሲስተም (ኣይዩኤስ)
እዚ ሆርሞናል ኣይዩኤስ ሓንቲ ፐ ትመስል መሳርሒ ኣብ ማህጸን (መተሓላልፊ ቱቦ ማህጸን) ትግበረልኪ
ነቲ መስመራት ናይ ማህጸን ብምጽባብ ካብ ጥንሲ ይከላኸል (እዚ እቲ ኣብ ግዜ ጽግያት ዝደሚ ክፋል ኢዩ)፣ በዚ ምኽንያት ድማ እታ ጓል ኣንስተይቲ ፎኪስ ወይ ጠቅላላ ወርሓዊ ጽግያት ከይህልዋ ይኽእል። ብተወሳኺ ነቲ ኣብቲ ቱቦታት (ኣብ ክሳድ ማህጸን) መተሓላለፊ ማህጸን ዘሎ ፈሳሲ ኣሕፊሱ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብቲ እንቋቁሖ ከይበጽሕ ይከላኸል።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታት
ኮፐር (ነሓስ) ኢንትራተሪን ዲቫይስ (ኣይዩዲ) - ናን ሆርሞናል ኮይል
ናይ ነሓስ ኣይዩዲ ሓንቲ ፐ ትመስል መሳርሒ ነቲ ምንቅስቃስ ናይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ትምክት ኣብ ማህጸን (መተሓላልፊ ቱቦ ማህጸን) ትግበረልኪ።
እዚ ነታ እንቋቁሖ ካብ ምጽጋይ ይከላኸል። እዚ ዓይነት ኣይዩዲ ውሑድ ስኾነ ባህሪያዊ ውሑስ ነሓስ ኣለዎ። 100% ካብ ሆርሞን ነጻ ኮይኑ ስሩዕ ንወርሓዊ ጽግያት ክህሉ ይገብር።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታት
ኢንጀክሽን (ብመርፍእ ዝውሰድ)
እዚ ካብ ጥንሲ ንምከላኸሊ ዝውጋእ መርፍእ ኢዩ። እቲ መርፍእ ፕሮገስቶጂን ዝበሃል ሆርሞን ንማሕደር እንቋቁሖ፣ እንቋቁሖ ካብ ምስዳድ ይኽልክል። ብተወሳኺ ነቲ ኣብቲ ቱቦታት መተሓላለፊ ማህጸን ዘሎ ፈሳሲ ኣሕፊሱ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብቲ እንቋቁሖ ከይበጽሕ ይከላኸል።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታቱ
ፕሮጀስቶጀን ጥራይ ከኒና (ፕሮጀስቶጀን ኦንሊ ፒል (ፒኦፒ))
እዚ ከኒና ሓንቲ ዓይነት ሆርሞን ጥራይ የጠቃልል፣ ፕሮጀስቶጀን። እቲ ከኒና መዓልታዊ ይውሰድ። ክልተ ዓይነት ፕሮጀስቶጀን ጥራይ ከኒና ኣለዉ፣ እቲ ልሙድ ዓይነት ነቲ ኣብቲ ቱቦታት መተሓላለፊ ማህጸን ዘሎ ፈሳሲ ኣሕፊሱ ነቶም ዘርኢ ደቂ ተባዕታይ ናብታ እንቋቁሖ ካብ ምብጻሕ ዝከላኸልን እዚ ሓድሽ ዓይነት ፒኦፒ ነቲ መሕደሪ እንቋቁሖ ካብ ምፍናው እንቋቁሖ ዝገትእን።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታቱ
ኮምባይንድ ሆርሞናል መከላኸሊ ጥንሲ(ሲኤችሲ)
እዚ ኣገባብ ክልተ ሆርሞናት የጠቓልል፣ ኦኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮጀንን። ነቲ መሕደሪ እንቋቁሖ ካብ ምፍናው እንቋቁሖ ይገትኡ።መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ ከኒናኣ መዓልታዊ ኣብ ሓደ ዓይነት ሰዓት ዝውሰድ ኢዩ። ብዙሕ ዓይነት ከኒናታት ኣብ ዕዳጋ ይርከቡ አዮም። ብተወሳኺ ዝልጠፍ ወይ ካኣ ናይ ርሕሚ ቐለቤት ተመሳሳሊ ዝሰርሕ ዓይነት መከላኸሊ ውን ኣሎ።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታቱ
ምምካን ጓል ኣንስተይቲ
እዚ ነቲ ፎሎፒያን ሻምብቆዓጺኻ እቲ ዘርኢ ናይ ወዲ ተባዕታይ ናብቲ እንቋቁሖ ከምዘይሓልግ ምግባር የጠቃልል።
ኢቲ ኢንትራተራይን ኣገባብ(ሆርሞናል ኣይዩኤስን ኮፐር ኣይዩዲ)ን ኢምፕላንት ኢልና ኣብዚ ጽሑፍ ዝጠቀስናዮም ካብዚ ምምካን ጓል ኣንስተይቲ ንላዕሊ ውጽኢታውያን ኢዮም።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታቱ
ምምካን ወዲ ተባዕታይ- ቨሲክተሚ
እዚ ነቲ መስመር (ቫስ ዲፈረንስ) ነቶም ዘርኢ ወዲ ካብ ፍረ-ነብሲ ናብ መትሎ ዝወስድ ምዕጻው የጠቃልል። ቅልጡፍ ዝኾነ ኣገባብ ብመደንዘዚ ዝተሰነየ ኢዩ። ኣብ ኮማዊ ክሊኒክ ክግበር ይከኣል። ንናይ ውሽጢ ዓዲ ኣገልግሎት ኣብታ መወዳእታ ገጽ ናይዚ ጽሁፍ ተወከስ።
ምምካን ወዲ ተባዕታይ ካብ ናይ ምምካን ጓል ኣንስተይቲ ዝለዓለ ውጽኢታዊን ዝቐለለን ኢዩ።
ኣወንታዊ ጎድንታት
ኣሉታዊ ጎድንታት
ቨሲክተሚ ኣገልግሎት
ኣብ ሳንዲፎርድ ናይ ስነወሲባዊ ኣካላት ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝተሞርከሰ
ቆጸራ ንምሓዝ
ባዕልኻ ንናይ ቨሲክተሚ (ምምካን ወዲ ተባዕታይ) ኣገልግሎት ርእስኻ ጥቀስ
ቅድመ መጥባሕቲ ቆጸራ (014121186540)
ሕጹጽ ኩነታት መከላኸሊ ጥንሲ
ክልተ ዓይነት ሕጹጽ ኩነታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ፡ ኮፐር (ኮይል) ን ሆርሞን ፒል (ከኒና) ን።
ኮፐር ኢንትራውተራይን ዲቫይስ (ኣይዩዲ) - ናን ሆርሞናል ኮይል
እዚ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ እቲ ዝለዓለ ኣድማዕነት (ክሳብ 99% ኣድማዕነት) ዘለዎ፣ ካብቲ ናይ ህጹጽ ኩነታት ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ድማ 10 ዕጽፊ ኣድማዕነት ኣለዎ።
ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካብኡ ዝነውሕ መዓልታት እዚ ኣይኢዩ ክግበረልኪ ይከኣል።
መብዛሕትኡ ግዜ ንኽትገብሮ ቀሊልን ናብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ምቹእን ኢዩ። ናይ ሕጹጽ ኩነታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ማህጸን ክሳብ ዝቅጽል ወርሓዊ ጽግያት ክጸንሕ ኣለዎ ወይ ካኣ ከም ቀንዲ መከላኸሊ ጥንሲ እንዳተጠቀምክሉ ክትቅጽሊ ትኽእሊ።
ፕሮጀስቶጀን ከኒና (ንኣብነት ለቮነል ቲኤም)
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ድሕሪ ጾታዊ ርክብ እንተተወሲዱ ብጣዕሚ ውጽኢታዊ ይኸውን። ነቲ ናይ እብቋቅሖ ምፍናው ብምዱንጋይ ይሰርሕ (እንተዳኣ እንቋቁሖ ድሮ ተፈንያ ኮይና ግን ኣይሰርሕን እዩ)።
ክሳብ 3 መዓልቲ ድሕሪ ጾታዊ ርኽብ ክውሰድ ይኽእል፣ ግን ዝነውሓ ብዝወሰድካሉ መጠን ኣድማዕነቱ እንዳጎደለ ይመጽእ።
እዚ ከኒና ኣብ ጂፒ ዝተመዝገብካ እንተዳኣ ኴንካ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝርከባ ፋርማሲታት ከይከፈልካ ብነጻ ክትረኽቦ ይከኣል፡ ወይ ካኣ ካብ ናይ ከባቢኻ ዘሎ ወሲባዊ ኣካላት ጥዕና ክሊኒክ ክርከብ ይከኣል።
ኡሊፕሪስታል ኣሰተይት (ንኣብነት ኤላ ዋን ቲኤም)
ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ እንተተወሲዱ ብጣዕሚ ውጽኢታዊ ይኸውን። ነቲ ናይ እብቋቅሖ ምፍናው ብምዱንጋይ ይሰርሕ (እንተዳኣ እንቋቁሖ ድሮ ተፈንያ ኮይና ግን ኣይሰርሕን እዩ)።
እዚ ካብ ፕሮጀስቶጀን ናይ ህጹጽ ኩነታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ዝሓሸ ኣድማዕነት ኣለዎ።
እዚ ኤላ ዋን ከኒና ኣብ ጂፒ ዝተመዝገብካ እንተዳኣ ኴንካ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝርከባ ፋርማሲታት ከይከፈልካ ብነጻ ክትረኽቦ ይከኣል፡ ወይ ካኣ ካብ ናይ ከባቢኻ ዘሎ ወሲባዊ ኣካላት ጥዕና ክሊኒክ ክርከብ ይከኣል።
ሆርሞናል ኣገባባት ዝኾኑ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ን ኤላ ዋን ዘየድማዒ ይገብሮ፣ ስለዚ ድሕሪ ኤላ ዋን ምውሳድካ ዝኾነ ሆርሞናል ዝኾኑ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ን 5 መዓልታት ኣወግዳ።
ተጥቡ ኣደ ኤላ ዋን እንተድኣ ወሲዳ ን 7 መዓልታት ነቲ ጸባኣ ክትጉሕፎ ንምዕድ።
ጂፒ መከላኸሊ ጥንሲ ከቅርብ ይኽእል ኢዩ። እንታይ ክርከብ ከምዝኽእል ምሕታት ጽቡቅ ኢዩ።
Sandyford (ሳንዲፎርድ) ኣገልግሎት ጥዕና ኣካላት-መፍረ
ምሉእ ናይ ኣካላት-መፍረ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይህብ ምስኡ ድማ
ንናይ ቆጸራ ሓበሬታን ምኽርን ናብ 01412118130 ደውሉ። መስመራት ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8.30 - 4.15 ድ.ቀ ክፉት ኢዩ፣ ብጀካ ኣብ ህዝባዊ ባዓላት ወይ ከኣ ናብ http://www.sandyford.scot/ ተወከስ
እንግሊዝ ተዛሪብካ ዘይትኽእል እንተኴንካ ኣብ ግዜ ቆጸራካ ኣስተርጓሚ ንክዳለወልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንታይ ቛንቛ ከምትክእል ሓብረና፣ ንሕና ድማ ከነዳልወልካ ኢና። ንዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምስቱርጓም ኣገልግሎት ኣብዚ ሲዒቡ ክርከብ መርበብ ሓበሬታ ተወከስ https://www.sandyford.scot/sexual-health-services/i-need-an-interpreter-for-my-sandyford-appointment/