መከላኸሊ ጥንሲ
ቅድሚ ንጽፈት ጽግያ፣ ካብ ጥንሲ ንምክልኻል መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ኣገዳሲ ኢዩ። እንተዳኣ ብግቡእን ቅኑዕን ኣገባብ ተወሲዱ ካኣ ውጽኢታዊ ይኸውን። ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ምክልኻል ጥንሲ ስለ ዘሎ ንዓኺ ዝኸውን ዝሓሸ እገባብ ንምምራጽ ክንሕግዘኪ ድልዋት ኢና።
መከላኸሊ ጥንሲ ንዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ብነጻ ካብ ኤንኤችኤስ ዓባይ ብርጣንያ ክወስድ ይኽእል።
ብዙሕ ኣገባብ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ኣሎ። ናይ ሳንዲፎርድ ዶክቶራትን ነርሳትን እቲ ዝበለጸ ንዓኻ ዝኸውን ኣገባብ ንምምራጽ፥ ኩሉ ናትካ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ክሕግዙኪ ድልዋት ኢዮም።
ከም ኣማራጺ ድማ ምስ ናትካ ሓኪም ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ክትዛረብ ውን ንዓኻ ዝበለጸ ናጻ ኮይንካ ንክትዛረብ ጽቡቅ ኢዩ። መብዛሕትኦም ሓካይም ዝእዝዝዎ ዓይነታት መከላከሊ ጥንሲ ከም ከኒና፣ ዝልጠፍ፣ ካትም፣ ብመርፍእ ዝውጋእ ወይ ድማ ኮይል ወይ ኢምፕላንት የጠቃልሉ።
ብስቱር ናይ ናጻ ኮንዶም ምስ እትደሊ ካብ ልዕሊ 300 ሚእቲ ቦታታት ኤንኤችኤስ ዕባይ ግላስኮውን ክላይድን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ነጻ ኮንዶም
ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመቶም ንህቦ ኣገልግሎትና ካብ 13-17 ንዝዕድሚኦም ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ንዕድል ኢና።
ብዙሕ ዝዓነቶም መከላኸሊ ጥንሲ ንቕርብ። ንሳቶም ከኣ፡
ቆጸራ ብከመይ ትሕዝ
ናብ ሳንዲፎርድ ብ 01412118130 ብምድዋል። እንግሊዝ ተዛሪብካ ዘይትኽእል እንተኴንካ ኣብ ግዜ ቆጸራካ ኣስተርጓሚ ንክዳለወልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንታይ ቛንቛ ከምትክእል ሓብረና፣ ንሕና ድማ ከነዳልወልካ ኢና።
ንዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምስቱርጓም ኣገልግሎት ኣብዚ ኪሪከብ ይኽእል
http፡//www.sandyford.scot/sexual-health-services/i-need-an-interpreter/
ምዕቓብ ምስጢራውነት
ምስጢራውነቱ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ኢና ንህብ። ብጀካ ብናትካ ፍቃድ፥ ብሕጊ ምስ ንሕተት ወይ ድማ ሂወትካ ወይ ሂወት ካልእ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝኣቱ እንተዘይኮኢኑ ንዝኮነ ሰብ ናትካ ትህቦ ሓበሬታ ኣይንህብን ኢና። ክትመጽእ ከለኻ ናይ ሓቂ ስምካ ክትጥቀም ንምዕድ፡ ኣብ አሌትሮኒካዊ መዝገብ ናይ ሳንዲፎርድ ብስቱር አዩ ዝዕቀብ።
ብዛዕባ ጥዕና ኣካላት-መፍረ ምሳና ምዝርራብ
ሳንዲፎርድ ኣብ ትመጸሉ ግዜ ዝበለጸ ኣገልግሎት ንምሃብ፣ ኣባላትና ብዛዕባ ውልቃዊን ናትካ ጾታዊን ሕቶታት ክሓቱኻ ይኽእሉ አዮም፣ ከም፣ መወዳእታ ጾታዊ ርክብ ማዓስ ፈጺምካ፣ እቲ ጾታዊ ርክብ ውሑስ ዲዩ ኔሩ ኣይኮነን፣ ዝኾነ ምልክታት መልከፍቲ ኣለካን የብልካን።
ኣባላትና ክፉት ኣእምሮ ዘለዎም ምቕሉላት ኢዮም። ዝኮነ ትብሎም ኣየሕፍሮምን ወይ ኣየሰንብዶምን ኢዩ። ኣባላትና ንክፈርዱልኩምን አዮም። ስለዚ ዝበለጸ መርመራን ኣገልግሎትን መድሃኒትስ ንክትረክብን ዘድሊ ሓገዝ ኪገብሩልካን ንዝሓቱኻ ኩሉ ብቅንዕና መልሲ ሃብ። ኩሉ ትብሎ ኣብ አሌትሮኒካዊ መምሊኢ ይምላእ ኢዩ፣ ከም መወከሲ ሓበሬታ፥ እንተዘይኮይኑ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ዝሃብካና ሓበሬታ ኣይነካፍልን። ስሕት ኢሉ ግን ንናትካ ጥቕሚ ኣባላትና ትህቦ ሓበሬታ ከካፍሉ ይኽእሉ ይኾኑ። ብተባዕታይ ወይ እንስታይ ኽኢላ ሕክምና ንኽትርአ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ክሊኒክ ብስራሕ ኣብ ዝጽመደሉ ግዜ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ፣ ምርጫኻ ኣብ ቆጸራ ትሕዘሉ ግዜ ሓብረና።
ቅድሚ ምምጻእካ እንታይ ክትጽበ ኣለካ
ቆጸራካ ካብ 10 ደቂቅ ትወስድ መርመራ ክሳብ 90 ደቃይቅ ዝወስድ መርመራታትን ፍወሳን ከጠቃልል ይኽእል። ኣብ ናይ ቆጸራ ሰዓትካ ኩሉ ዘድልየካ ነገራት ከነማላኣልካ ክንፍትን ኢና፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ንኻልእ መዓልቲ ቆጸራ ክትሕዝ ንኽእል ኢና፣ እቲ ንህቦ ኣገልግሎት ይውስኖ። ቅድሚ ቆጸራኻ ደብዳቤ እንተሰዲድናልካ፣ ኩሉ እቲ ቅድሚ ቆጸራ ዘድሊ ሓበሬታ ሂብናካ ኣለና ማለት ኢዩ።
ምስ መጻእካ እንታይ ትጽበ?
ኣስተርጓሚ ሓቲትካ እንተኔርካ ኣብታ ናይ ቆጸራ ግዜ ክርከብ አዩ።
ምስ መጻእካ እንታይ ትገብር?
ምስ መጻእካ ሪሰፕሽን ተቀቢለን ቁጽሪ ዘለዎ ካርድ፣ ሃበሬታ ብዛዕባ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ዝሓዘ ወረቀት፣ ናይ ምስጢራውነት ምሕላው ዝገልጽ ወረቀትን ዝምላአ ፎርምን ክወሃበካ ኢዩ። ሽዑ ኮፍ መበሊ ቦታ ኪወሃበካ አዩ ክሳብ ሪጋኻ ዝበጽሕ። ፎርም ንምምላእ ሓገዝ እንተኣድልዩካ ንሪሰፕሽን ሓብር። ብዝተኻእለካ ነቲ ፎርም ምልእዮ።
ንኽንደይ ኢየ ዝጽበ?
ብዝከኣለና ኣብቲ ናይ ቆጸራካ ሰዓት ከምትረአ ክንገብር ኢና። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ከምኡ ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዳኣ ልዕሊ 30 ደቒቕ ጌርካ ን ኣባላት ሪሰፕሽን ሓብር ምእንቲ እቲ ዘሎ ኩነታት ክሕብሩኻ።ልዕሊ ሓደ ክሊኒክ ስለ ዘለና ቅድሚ እቲ ድሕሬኻ ዝመጸ ሰብ ክትረአ ኢኻ።
ዶንግየ እንተ መጺኤ ኸ?
ሓሓሊፎም ተሓከምቲ ናብ ቆጸራ ዶንጒዮም ከምዝመጹ ንፈልጥ ኢና። ዶንጒኻ ኣብ ዝመጻእካሉ ሙሉአ እቲ ናይ ቆጸራኻ ግዜ ክንህበካ ኣይንኽእልን። ዶንጒኻ እንተመጺእካ ረሰፕሽን ኣባል ናይ ክሊኒክ መጺኡ ከምዘዘራርበካ ክገብሩ ኢዮም። ክሳብ ህሉው ኣባል ዝርከብ ምጽባይ የድሊ ይኸዊን'ዩ። ንገለ ገለ መርመራታት እንተዶጒኻ መጺእካ ክንገብረልካ ዘይንኽእል ስለ ንኸውን ካልእ ኣማራጺ ቆጸራ ክትሕዝ ክትግደድ ኢኻ።
ኣብ ግዜ ሕክምናዊ ምኽሪ ንመን ኢየ ዝረክብ?
መብዛሕትኦም ንህቦም ኣገልግሎታት ብብቑዓት ኽኢላታት ከም ዶክተራት፣ ነርሳት፣ኣማኸርቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓካይም ከምቲ ኣድላይነቱ ዝወሃብ ኢዩ። ኩሎም ኣባላትና መን ሙዃኖም ኣብቲ ክሊኒክ ክፍሊ ምስ ኣተኻ ክሕብሩኻ ኢዮም።
እንተድኣ ብፍሉይ ጾታ ናይቲ ዝርኤካ ሓኪም ክትመርጽ ደሊኻ ኣብ ቆጸራ ትሕዘሉ እዋን ሓብረና። ብዝከኣለና ከነዳልወልካ ክንፍትን ኢና።
መርመራታት ብኸመይ ኢዩ ዝካየድ?
እንተ ዳኣ ን ብጾታዊ ርክብ ዝማሓላለፉ ሕማማት መርመራ ደሊኻ ወይ ኣድላዪ ኮኢኑ ናይ ሽንቲ ወይ ናይ ደም መርመራ ክኸውን ይኽእል።ገለ ገለ መርመራታት ከኣ ስዋብ ካብ ከባቢ ጾታዊ ኣካላት ብምውሳድ ይግበር። ኣብቲ ዝገበርካዮ ጾታዊ ርክብ ብምሙርካስ ካብ ጎሮሮ ወይ ድማ መቀመጫ ስዋብ ብምውሳድ። ቁሩብ ጽቡቕ ዘይክስምዓካ ይኽእል ኢዩ፣ ኩሎም እባላትና ግን ነዚ ዓይነት መርመራታት ንምግባር ብቁዕ ክእለት ዘለዎም እዮም። ገለ ገለ መርመራታት ዶክተር ንጾታዊ ኣካልካ ምርኣይ ዘድልዮ ክኸውን ስለ ዝኽእል፣ ኣንተድኣ ኣንጻር ጾታኻ ሓኪም ዘይትደሊ ኴንካ፣ ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ሓብረና።
ቆልዑት ሒዘ ክመጽእ ይኽእል'ዶ?
ቖልዑት ሒዝካ እንተዘይመጻእካ ተመራጺ ኢዩ፣ ንቖልዑት መጽንሒ ዝኸውን ቦታ ስለዘየለ። እንተድኣ ናይ ግድን ክትማልኦም ኣለካ ኮኢኑ፣ ንስኻ ክሳብ ትርአ ክሕዘልካ ዝኽእል እኹል ሰአብ ተማላእ። እንተዘይኮይኑ ቆልዓኻ ገዲፍካ ንክትምለስ ክሕበረካ ይኽእል ኢዩ።