PEP - Tigrinya
ፒኢፒ ናይ ሓበሬታ ዌብ ገጽ
http፡//www.sandyford.scot/sexual-health-services/pep/
ሳንዲፎርድ ኣገልግሎት ኮቪድ 19
ሳንዲፎርድ ናይ ፒኢፒ ኣገልግሎት ን ብጾታዊ ርክብ ን ኤች.ኣይ.ቪ ንዝተቃልዑ ምሃብ እንዳቀጸለ ኢዩ ዘሎ።
ቅድሚ ምምዛእኩም ናብ 01412118130 ደውሉ። ፒኢፒ የድሊየኩም ኣየድልየኩምን ንምፍላጥን ቆጸራ ንምሓዝንነርስ ሓደ ሓደ ሕቶታት ክሓትኩም አዮም። እንተድኣ ሳንዲፎርድ ዕጹው ኮይኑ፡ ኣብ ክፍሊ ሓደጋን ህጹጽ ረዲኤትን ፒኢፒ ክትረክቡ ትክእሉ ኢኩም።
እንተድኣ ን ኤች.ኣይ.ቪ ተቃሊዐ ኣለኩ ኢልካ ጠርጢርካ፡ ነቲ ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ፒኢፒ (ድሕረ ምቅላዕ ፕሮፊላክሲስ) ናይ ሓጺር ግዜ መድሃኒት ብምውሳድ ከተትሕቶ ትክእል ኢኻ።
ፒኢፒ ብከመይ ይረክብ?
ፒኢፒ ንክትረክብ ቆጸራ ኣየድልየካን ኢዩ፡ ፒኢፒ ናብ ሳንዲፎርድ ሰንትራል ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት መጺእካ ክትረክብ ትኽእል።ሳንዲፎርድ ኣብ ዝተዓጽወሉ ግዜ ውን ኣብ ናይ ሓደጋን ህጹጽ ረዲኤትን ማእከላት ክትረክብ ትክእል። ነርስ መርመራ ገይሩ ፒኢፒ ዘድልየካ እንተኮኢኑ ክሕብረካ ኢዩ።
ፒኢፒ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት(3 መዓልታት) ክውሰድ ይክእል፡፡ ንዝበለጸ ውጽ ኢት ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት(1 መዓልቲ) ክውሰድ ቅምረጽ። ስለዚ ብቅልጡፍ ክትውስን ይግባኣካ።
ፒኢፒ እንታይ ኢዩ?
ፒኢፒ ( ድሕረ ምቅላዕ ፕሮላክሲስናይ ኤች.ኣይ.ቪ) ን 4 ሰሙን ዝውሰድ ከኒና መድሃኒት ኮይኑ፡ ን ኤች.ኣይ.ቪ እንተ ተቃሊዕካ ይውሰድ። እዚ መድሃኒት ካብ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላከል ይክእል።
ፒኢፒ ኤች.ኣይ.ቪ ድሕሪ ተቃሊዕ ኢልካ ምሕስብካ መዓስ ክውሰድ እለዎ?
ፒኢፒ ብዝቀልጠፈ ክጅመር ኣለዎ። ምክኒያቱ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ድሕሪ ን ኤች.ኣይ.ቪ ምቅላዕካ ኣብ ዘሎ ሰዓታት እንተተወሲዱ ዝለዓለ ኣድማዕነት ኣለዎ። ኤች.ኣይ.ቪ ድሕሪ ምቅላዕካ 72 ሰዓታት እንተ ሓሊፉ ፒኢፒ ኣይውሰድን ኢዩ።
ፒኢፒ ንክንደይ ይውሰድ?
ፒኢፒ ከኒና ን 4 ሰሙናት ይውሰድ። እቲ ከኒና ከይነጠርካ ኣብቲ ዝተባህለካ ሰዓታት ክውሰድ ኣለዎ።
ፒኢፒ ምውሳድ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ዶ?
ፒኢፒ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ተምላስ፡ ውጻት፡ ሕማም ርእሲ፡ ድካም ዝእመሰሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይክእል። ዶክተር ቅድሚ ፒኢፒ ምእዛዙ ብዛዕባኡ ከዘራርበካ ኢዩ። ኣብቲ ፒኢፒ ትወስደሉ እዋን ኣድማዕነት ናይቲ መድሃኒት ንምክትታል ደም መርመራ ክትገብር ኢኻ።
ፒኢፒ ምውሳድ ካብ ኤች.ኣይ.ቪ መልከፍቲ ብዩን ይገብረኒ ዶ?
ፒኢፒ ድሕሪ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ምውሳድ ካብ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ይከላከል እምበር ን ኤች.ኣይ.ቪ እይፍውስን ኢዩ፡
ሓደ ሰብ ፒኢፒ ድሕሪ ምውሳዱ ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ነጻ ኮይኑ፡ እሞ ከኣ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም እንተፈጺሙ ከም ዝኮነ ኤች.ኣይ.ቪ ዘይብሉ ሰብ ክልከፍ ይክእል ኢዩ።
ኮንዶም ምጥካም ኣገዳሲ ድዩ
እወ። ኮንዶም ምጥቃም ኣገዳሲ ኢዩ ምክኒያቱ፡
- ኮንዶም ምጥቃም ልዕሊ ፒኢፒ ካብ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ይከላኸል።
- ኮንዶም ምይቃም ካብ ዘይተደልየ ጥንስን ዝተፈላለዩ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም ጅግል፡ ፍንጣጣን ጎኖሪያን ክከላኸል ይኽእል፡ ፒኢፒ ግን ክከላኸል ኣይክእልን።
- ኮንዶም ብቀሊሉ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክርከብ ይኽእል። ኮንዶም ብነጻ እንተደሊካ ኣብ ናጻ ኮንዶም ዝብል ዌብ ሳይት ኣቲኻ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
ኣስቶርጋሚ ይደሊ እየ።
https://www.sandyford.scot/sexual-health-services/i-need-an-interpreter-for-my-sandyford-appointment/
ቛንቋ እንግሊዝ ዘይትክእል እንተኴንካ ኣብ ናይ ቆጸራ ሰዓትካ ኣስቶርጋሚ ክዳለወልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ቖጸራ ክትሕዝ ከለኻ እንታይ ቛንቋ ከም ትኽእል ሓብረና፡ ንሕና ድማ ከነዳልወልካ ኢና።
ቖጸራኻ ትሕቲ 46 ደቒቅ እንተኮይኑ፡ ኣስቶርጓሚ ብቴሌፎን ኪንገብር ንክእል፡ ኣብቲ ዓይነት ቆጸራ ይሙርከስ፡ ንገለ ገለ ቆጸራታት ብኣካል ክህሉ ይምረጽ።
ሳንዲፎርድ ሰራሕተኛታት ንቤተሰብካ ወይ ድማ መሓዙትካ ከም ኣስተርጎምቲ ክጥቀሙሊም ኣይፍቀድን እዩ።
ናይ ኣስተርጓሚ ይኸፍል ድየ
ኣይፋል። እዚ ኣገልግሎት ብናጻ ኢዩ ዝወሃብ።
ጾታ ኣስተርጓሚ ክመርጽ ይክእል ዶ
እወ ትኽእል። እቲ ንስኻ ትደልዮ ኣስተርጓሚ ወዲ ወይ ድማ ጓል ኣነስተይቲ አልካ ሓብረና ፣ ንሕና ድማ ከነዳልወልካ ኢና። ምናልባት እቲ ዝመረጽካዮ እንተዘይረኪብና ድማ ክንሕብረካ ኢና።
ናይ ቴሌፎን ኣስተርጓሚ ክሓትት ይክእል ዶ?
ኣወ፣ እቲ ኣስተርጓሚ ኣብቲ ክፍሊ ክህሉ እንተዘይደሊካ ትኽእል ኢኻ፣ ንሕና ውን ብኣካል ዝመጽእ ኣስተርጓሚ ኣብ ንስእነሉ ብተሌፎን ዘተርጉም ክንገብር ንክእል ኢና።
ኣስተርጓሚ ኣብ ናይ ጾታዊ ጥዕና ቖጸራ የስተርጉም ምህላዉ ይፈልጥ ድዩ?
እወ፣ ኣስተርጓሚ ምሉእ ኣገልግሎት ናይ ሳንዲፎርድ ይፈልጥ ኢዩ፣ ብተወሳኪ ድማ ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና ዝኾነ ቃላትን ሓሳባትን ከም ዘተርጉም ይፈልጥ ኢዩ።
እዚ ድማ ጾታዊ ኣካላት፣ ጾታዊ ርክብን ዝተፈላለየ ጾታዊ ዝምድናን፣ ጥንሲ፣ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ምንጻል ጥንሲ፣ መርመራታትን ኣገባብ ፍወሳን የጠቓልል።
እንተድእ ምስጢራውነት ዘለዎ ምርመራ ደሊኻ፣ ኣብ ሻንዲፎርድ፣ እቲ ኣስተርጓሚ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ንዓኻ ከምዘይሪኤካ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
እንተዳኣ ኣስተርጓሚ ብዛዕባ ናተይ ጾታዊ ዑምቀት ክፈልጥ ዘይደለኹኸ?
ኣስተርጎምትና ብቑዕ ስልጠና ዝወሰዱን ርትዓዊ ዝኾነ ትርጉም ዝህቡ፡ ንዝተፈላለየ ጾታዊ ተመኩሮታት ንምትርጓም ኢና ንጥቀመሎም። እዚ ድማ ጾታዊ ርክብ ምስ ኣንጻርን ሓደ ዓይነት ጾታን የጠቓልል። ካብ ናይ ትውልዲ ዝተፈለየ ጾታዊ መንነት ውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኩሉ ዝዝረብ ብምስጢራውነት ዝተዓቀበ ኢዩ።
ካብ ኣስተርጓሚ እንታይ ይጽበ?
ዝበልካዮ ምትርጓም ጥራይ።
ብኣባልና ዝተባህለ ድማ ንዓኻ ምንጋር ጥራይ
ካብኡ ወጻኢ ካልእ ክገብር ኣይፍቀዶን።
ብንጹር ቐስ ኢልካ ክትዛረብ ጽቡቕ ኢዩ፣እቲ ኣስተርጓሚ ንኣባላትና ዝበልካዮ ምእንቲ ክትርጉመሎም።
ኣስተርጓሚ እንታይ ክገብር ኣይኽእል?
ኣስተርጓሚ ንዓኻ ወኪሉ ክዛረብ ኣይፍቀዶን
ናይ በይንኩም ዝኮነ ዘረባ ክዛረብ ኣይፍቀዶን
ክትርጉምን ብኣባላትና ዝተዋህበ ፎርም ምምላእ ክሕግዙኻን ጥራይ ይፍቐደሎም።
ምስጢር ምዕቓብ
ኩሉ ትብሎ ስቱርን ምስጢሩ ሕሉውን ኢዩ። ኣስተርጎምቲ ሰራሕተኛታት ናይ ኤንኤችኤስ፡ ዝዓበየ ግላስኮውን ክላይድን እዮም። ከም ካልኦት ነርሳት፣ ዶክተራት፣ ኣማኸርቲ ጥዕናን ኩሎም ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝክተልዎ ጽኑዕ ሕግታት ክኽተሉ ይግደዱ።
ኣስተርጓሚ ብዛዕባ ቆጸራኻን ኣብቲ ቖጸራ ዝተዘርበን ንዝኾነ ሰብ ክነግር ኣይፍቀደሉን ኢዩ።
ምስቲ ኣብ ቆጸራ ዝመጸ ኣስተርጓሚ ኣንተዘይተሰማሚዑኒ ኸ?
ብዝኾነ ምኽንያት እቲ ኣብ ቖጸራ ዝመጸ ኣስተርጓሚ እንተዘይተሰማምዓካ ክወጽእ ክትሓቶ መሰልካ እዩ። ብናይ ቴሌፎን ምስቲርጓም ኣገልግሎት ንሕና ክንቅጽል ኢና። ነቲ ናይ ሳንዲፎርድ ኣባል ንስኻ ምስኦም ጥራይ ክትዛረብ ከምትደሊ ሓብሮ፣ እቲ ኣስተርጓሚ ካብቲ ክፍሊ ክወጽእ ኢዩ።
ተወከሰና
እንተዳኣ ዝኮነ ሕቶ ብዛዕባ ናይ ምስቱርጓም ኣገልግሎት ኣለካ ብ ኢመይል ወይ ድማ ብቁጽሪ ቴሌፎን 01412118130 ደዊልካ ንኣባል ናይ ትካል ምሕታት ይከኣል።