መርመራ
ንምንታይ መርመራ ንብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት?
እዚ መርመራ ብጣዕሚ እገዳሲ ኢዩ፣ እንተዳኣ ምልክታት ናይ ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እንተ ሃልዩካ ወይ ድማ ጾታዊ ብጻይ እንተቀዪርካ እሞ ከኣ እቲ ብጻይካ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተለኪፉ ዝፈልጥ እንተኮይኑ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ጾታዊ ሕማም ዝሓዞም ሰባት ምልክት ከየርእዩ ይኽእሉ ኢዮም፣ እንተዳኣ ተቃሊዕካ ኔርካ ካኣ ክትልከፍ ስለ ትኽእል።
ዝውቱር ምልክታት ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት
ማዓስ ትምርመር
ምልክታት ምስ ተሪ ወይ ምስ ትቃላዕ ብዝቀልጠፈ ክትምርመር ተመራጺ ኢዩ። ናብ 01412118130 ብምድዋል ቆጸራ ሓዙ።
እንተዳኣ ዝኮነ ምልክታት ዘይብልካ ቅድሚ ምምርማርካ ቁሩብ ግዜ ክትወሲድ ይምረጽ፣ እቲ መርመራ ንጹር ምእንቲ ክኸውን። ቅድሚ ምምርማርካ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ተወከስ፣ ቅድሚ ግዚኡ ዝውሰድ መርመራ ቅኑዕ ውጽኢት ከየርኢ ይኽእል፣
እንተ ዳኣ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ዝሓለፈ 72 ሰዓታት ኣጋጢሙካ ናብ 01412118130 ብምድዋል ፒኢፒ ብምውሳድ ካብ መልከፍቲ ክትድሕን ትኽእል ኢኻ።
ቆጸራ ብከመይ ትሕዝ
ናብ ሳንዲፎርድ ብ 01412118130 ብምድዋል። እንግሊዝ ተዛሪብካ ዘይትኽእል እንተኴንካ ኣብ ግዜ ቆጸራካ ኣስተርጓሚ ንክዳለወልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንታይ ቛንቛ ከምትክእል ሓብረና፣ ንሕና ድማ ከነዳልወልካ ኢና።
ንዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምስቱርጓም ኣገልግሎት ኣብዚ ኪሪከብ ይኽእል
ብኸመይ መርመራ ትገብር
ምምርማር ቀሊል ኢዩ። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጥዕናኻ፣ ጾታዊ ሂወትካ ሕቶታት ክንሓተካ ኢና፣ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ዝኸውን መርመራ ክንእዝዘልካ። ብሓፈሻ ዝኮነ ሰብ ናይ ክላመዲያ፣ ጂግል፣ ፍንጣጣን ኤችኣይቪን መርመራ ይገብር። እድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ካኣ ናይ ካልእ ረኽስታት መርመራታት ንገብር፣ እንተዳኣ ዘድሊ ኮይኑ ኣብ መዕእልቲ ቆጸራ ክሕበረካ ኢዩ። ኤችኣይቪን ፍንጣጣን ብ ናይ ደም መርመራ አዩ ዝረአ። ክላሚድያን ጅግልን ካኣ ብ ሽንቲ መርመራን ካብ ናይ ወዲ ተባዕታይ ወይ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ ስዋብን ብምውሳድን ይፍለጥ። እንተዳኣ ዝኾነ ምልክታት ዘይብልካ ኮኢኑ ነቲ ዘድሊ መራያ ባዕልካ ክትገብሮ ትኽእል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ክላሚድያ፣ ጂግል፣ ትሪኮሞናስ፣ ናይ ጎሎ ነድራዊ ሕማም፣ፍንጣጣ፣ ናይ ብልዕቲ ሀርፒስ፣ ናይ ብልዕቲ ዋርትስ፣ ኤልጂቪ፣ ናይ ብልዕቲ ጸጉሪ ቁማል፣ ትሩሽ ኣብ ናይ ኤን ኤች ኤስ መርበብ ሓበሬታ ብየማናይ ወገን ናይ ቲርጉም ሊንክ ይርከቦ
ምዕቓብ ምስጢራውነት
ምስጢራውነቱ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ኢና ንህብ። ብጀካ ብናትካ ፍቃድ፥ ብሕጊ ምስ ንሕተት ወይ ድማ ሂወትካ ወይ ሂወት ካልእ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝኣቱ እንተዘይኮኢኑ ንዝኮነ ሰብ ናትካ ትህቦ ሓበሬታ ኣይንህብን ኢና። ክትመጽእ ከለኻ ናይ ሓቂ ስምካ ክትጥቀም ንምዕድ፡ ኣብ አሌትሮኒካዊ መዝገብ ናይ ሳንዲፎርድ ብስቱር አዩ ዝዕቀብ።
ብዛዕባ ጥዕና ኣካላት-መፍረ ምሳና ምዝርራብ
ሳንዲፎርድ ኣብ ትመጸሉ ግዜ ዝበለጸ ኣገልግሎት ንምሃብ፣ ኣባላትና ብዛዕባ ውልቃዊን ናትካ ጾታዊን ሕቶታት ክሓቱኻ ይኽእሉ አዮም፣ ከም፣
ኣባላትና ክፉት ኣእምሮ ዘለዎም ምቕሉላት ኢዮም። ዝኮነ ትብሎም ኣየሕፍሮምን ወይ ኣየሰንብዶምን ኢዩ። ኣባላትና ንክፈርዱልኩምን አዮም። ስለዚ ዝበለጸ መርመራን ኣገልግሎትን መድሃኒትስ ንክትረክብን ዘድሊ ሓገዝ ኪገብሩልካን ንዝሓቱኻ ኩሉ ብቅንዕና መልሲ ሃብ። ኩሉ ትብሎ ኣብ አሌትሮኒካዊ መምሊኢ ይምላእ ኢዩ፣ ከም መወከሲ ሓበሬታ፥ እንተዘይኮይኑ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ዝሃብካና ሓበሬታ ኣይነካፍልን። ስሕት ኢሉ ግን ንናትካ ጥቕሚ ኣባላትና ትህቦ ሓበሬታ ከካፍሉ ይኽእሉ ይኾኑ።
ብፍኑው ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት መልከፍቲ ብኸመክይ ሕክምናዊ ፍወሳ ይረክብ?
እንተ ድኣ መአርመራኻ ብ ሓደ ካብቶም ብጾታዊ ዝመሓላለፉ ሕማማት መልከፍቲ ኣርእዩ እሞ ሕክምናዊ ፍወሳ ዘድልየካ እንተኾይኑ፣ ተመሊስካ ዝግባእ ኣገልግሎት ንክትረክብ ቆጸራ ኪጊበረልካ ኢዩ።
ቅድሚ ምምጻእካ እንታይ ክትጽበ ኣለካ
ቆጸራካ ካብ 10 ደቂቅ ትወስድ መርመራ ክሳብ 90 ደቃይቅ ዝወስድ መርመራታትን ፍወሳን ከጠቃልል ይኽእል። ኣብ ናይ ቆጸራ ሰዓትካ ኩሉ ዘድልየካ ነገራት ከነማላኣልካ ክንፍትን ኢና፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ንኻልእ መዓልቲ ቆጸራ ክትሕዝ ንኽእል ኢና፣ እቲ ንህቦ ኣገልግሎት ይውስኖ። ቅድሚ ቆጸራኻ ደብዳቤ እንተሰዲድናልካ፣ ኩሉ እቲ ቅድሚ ቆጸራ ዘድሊ ሓበሬታ ሂብናካ ኣለና ማለት ኢዩ።
ምስ መጻእካ እንታይ ትጽበ
ኣስተርጓሚ ሓቲትካ እንተኔርካ ኣብታ ናይ ቆጸራ ግዜ ክርከብ አዩ።
ምስ መጻእካ እንታይ ትገብር
ምስ መጻእካ ሪሰፕሽን ተቀቢለን ቁጽሪ ዘለዎ ካርድ፣ ሃበሬታ ብዛዕባ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ዝሓዘ ወረቀት፣ ናይ ምስጢራውነት ምሕላው ዝገልጽ ወረቀትን ዝምላአ ፎርምን ክወሃበካ ኢዩ። ሽዑ ኮፍ መበሊ ቦታ ኪወሃበካ አዩ ክሳብ ሪጋኻ ዝበጽሕ። ፎርም ንምምላእ ሓገዝ እንተኣድልዩካ ንሪሰፕሽን ሓብር። ብዝተኻእለካ ነቲ ፎርም ምልእዮ።
ንኽንደይ ኢየ ዝጽበ?
ብዝከኣለና ኣብቲ ናይ ቆጸራካ ሰዓት ከምትረአ ክንገብር ኢና። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ከምኡ ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዳኣ ልዕሊ 30 ደቒቕ ጌርካ ን ኣባላት ሪሰፕሽን ሓብር ምእንቲ እቲ ዘሎ ኩነታት ክሕብሩኻ።ልዕሊ ሓደ ክሊኒክ ስለ ዘለና ቅድሚ እቲ ድሕሬኻ ዝመጸ ሰብ ክትረአ ኢኻ።
ዶንግየ እንተ መጺኤ ኸ?
ሓሓሊፎም ተሓከምቲ ናብ ቆጸራ ዶንጒዮም ከምዝመጹ ንፈልጥ ኢና። ዶንጒኻ ኣብ ዝመጻእካሉ ሙሉአ እቲ ናይ ቆጸራኻ ግዜ ክንህበካ ኣይንኽእልን። ዶንጒኻ እንተመጺእካ ረሰፕሽን ኣባል ናይ ክሊኒክ መጺኡ ከምዘዘራርበካ ክገብሩ ኢዮም። ክሳብ ህሉው ኣባል ዝርከብ ምጽባይ የድሊ ይኸዊን'ዩ። ንገለ ገለ መርመራታት እንተዶጒኻ መጺእካ ክንገብረልካ ዘይንኽእል ስለ ንኸውን ካልእ ኣማራጺ ቆጸራ ክትሕዝ ክትግደድ ኢኻ።
ኣብ ግዜ ሕክምናዊ ምኽሪ ንመን ኢየ ዝረክብ?
መብዛሕትኦም ንህቦም ኣገልግሎታት ብብቑዓት ኽኢላታት ከም ዶክተራት፣ ነርሳት፣ኣማኸርቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓካይም ከምቲ ኣድላይነቱ ዝወሃብ ኢዩ። ኩሎም ኣባላትና መን ሙዃኖም ኣብቲ ክሊኒክ ክፍሊ ምስ ኣተኻ ክሕብሩኻ ኢዮም።
እንተድኣ ብፍሉይ ጾታ ናይቲ ዝርኤካ ሓኪም ክትመርጽ ደሊኻ ኣብ ቆጸራ ትሕዘሉ እዋን ሓብረና። ብዝከኣለና ከነዳልወልካ ክንፍትን ኢና።
መርመራታት ብኸመይ ኢዩ ዝካየድ?
ሽንቲ ወይ ናይ ደም መርመራ ክኸውን ይኽእል።ገለ ገለ መርመራታት ከኣ ስዋብ ካብ ከባቢ ጾታዊ ኣካላት ብምውሳድ ይግበር። ኣብቲ ዝገበርካዮ ጾታዊ ርክብ ብምሙርካስ ካብ ጎሮሮ ወይ ድማ መቀመጫ ስዋብ ብምውሳድ። ቁሩብ ጽቡቕ ዘይክስምዓካ ይኽእል ኢዩ፣ ኩሎም እባላትና ግን ነዚ ዓይነት መርመራታት ንምግባር ብቁዕ ክእለት ዘለዎም እዮም። ገለ ገለ መርመራታት ዶክተር ንጾታዊ ኣካልካ ምርኣይ ዘድልዮ ክኸውን ስለ ዝኽእል፣ ኣንተድኣ ኣንጻር ጾታኻ ሓኪም ዘይትደሊ ኴንካ፣ ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ሓብረና።
ቆልዑት ሒዘ ክመጽእ ይኽእል'ዶ?
ቖልዑት ሒዝካ እንተዘይመጻእካ ተመራጺ ኢዩ፣ ንቖልዑት መጽንሒ ዝኸውን ቦታ ስለዘየለ። እንተድኣ ናይ ግድን ክትማልኦም ኣለካ ኮኢኑ፣ ንስኻ ክሳብ ትርአ ክሕዘልካ ዝኽእል እኹል ሰአብ ተማላእ። እንተዘይኮይኑ ቆልዓኻ ገዲፍካ ንክትምለስ ክሕበረካ ይኽእል ኢዩ።
ኣብቲ ስግር ጽርግያ ናይቲ ክሊኒክ ጽቡቕ መናፈሻ መጻወቲ ዘለዎ ኣሎ፣ እንተድኣ ቆልዓ ዝርእየልካ ሰብ ረኺብካ።